Skip to Navigation Skip to Content Read about Accessibility on the Telecommunications Ombudsman website

Tigrinyna

 
ንናይ ተለኮሙኒካሽን ኢንዱስትሪ መርማሪ መረረ (TIO) ሓቃዊ ጽሑፍ ወረቐቲ

 

ናይ ተለኮሙኒካሽን ኢንዱስትሪ መርማሪ መረረ (TIO) እንታይ እዩ?

ሰባት ምስ ተለፎንን ኢንተርኔት ኵባንያታት ዘለዎም ጸገማት ክፈትሕዎ እንተዘይኪኢሎም ናይ ተለኮሙኒካሽን ኢንዱስትሪ መርማሪ መረረ (TIO) ክሕግዝ ተባሂሉ ብናጻ ዝተዳለዎ ኣገልግሎት እዩ።

ይኹንእምበር ቅድሚ ናባና ምድዋል ምስ ናትኩም ኣገልግሎት ውሃቢ ንዘለኩም ጥርዓን ክሲ መፍትሒ ንምርካብ ክትፍትኑ ኣለኩም።

እንታይ ክነጻርይ ከምንኽእል

ናይ ተለኮሙኒካሽን ኢንዱስትሪ መርማሪ መረረ (TIO) ከጻርዮ ዝኽእል ጥርዓን ክሲ ብዛዕባ ሞባይል፣ ናይ ገዛ ስልኪን ኢንተርኔት ጉዳያት እሞ በዚ ዝስዕብ ዚተዛመደ ይኸውን:

  • ክፍሊት ምሕታት (ጌጋ ፕላን፣ ዘይልክዕ ዋጋ ክፍሊት፣ ደንጉኻ ክፍሊት ዘጠቓለለ)
  • ብናይ ሞባይል መልእክቲ ኣገልግሎት ወፈያ ጸገማት (ጠጠው ክተብሎም ብዘይምኽኣል)
  • ዓይነት ብልሽው ኣቕሓን ኣገልግሎት
  • ንምቕጻል እንትድንጉዩ
  • ጥርናፈ ዕዳ ኣሰራርሓ ከይዲ (ናይ ኣከፋፍላ መደብ ንድፊን ግቡእኻ ዘይምፍጻም ዘጠቓለ)
  • ኮንትራት ውዕል (ከም ዘይኣገባባዊ ወይኻዓ ግልጺ ዘይኾነ ናይ ውዕል ግዘ)።

ክነጻርዮ ዘይንኽእል እንታይ’ዩ

ክነጻርዮ ዘይንኽእል ጥርዓን ክሲታት ብዛዕባ:

  • ቅድሚ ንዓና ምዝራብኩም ካብ ክልተ ዓመታት ንላዕሊ ትፈልጥዎ ጉዳያት (ኣብ ሓደሓደ ጉዳያት ነቲ ጉዳይ ክሳብ ሽድሽተ ዓመታት ክነናውሖ ንኽእል)
  • ናይ መንግሥቲ ፖሊሲታት ብዛዕባ ተለኮሚኒኬሽን
  • ግላዊ ናይ ተለኩሚኒኬሽን መሳርሒ (ከም ናይ ሞባይል ቆፎታትን ኮምፑተራት ሙሉእ ክፍሊት)
  • ትሕዝቶ ግልጋሎታት ማለት ከም ንሞባይል መደወሊ ወይኻዓ ንዌብሳይቲ ዚኽፈል
  • እቶም ኩባንያታት ንዝህብዎ ኣገልግሎታትን ፍርያት ዝኽፈል ዋጋ
  • ኣብ ቤት ፍርዲ ወይኻዓ ፍሉይ ቤት ፍርዲ መጋብኣያ ንዝነበረ ጉዳያት (ወይኻዓ ናብ ፍርዲ ንምውሳድ መደብ ዝተገበረሉ)።

ናይ ኣስተርጓማይ ኣገልግሎት

ኣስተርጓማይ ትደልዩ እንተኾይንኩም ብቁፅሪ 131 450 ምድዋል። እዙይ ግልጋሎት ብዘይኽፍሊት ብናጻ እዩ። ከምኡ’ውን ብእንግሊዝኛ ንምዝርራብ እምነት እንተዘይሃልዩኩም ዝኾነ ሰብ ንዓኹም ወኪሉ ጥርዓን ክሲ ናብ ተለኮሙኒካሽን ኢንዱስትሪ መርማሪ መረረ (TIO) ንክገብረልኩም ስልጣን ምሃብ ትኽእሉ።

ን TIO ንምዝርራብ
ብናጻ ስልኪ: 1800 062 058*
ናይ ምስማዕን ምዝራብ ጸገም ዘለዎ/TTY: 1800 675 692
   
በዚ ዝስዕብ ጽሓፉልና:
ብናጻ ፋክሲ: 1800 630 614
ኢሜል: tio@tio.com.au
ብፖስታ:
PO Box 276
  Collins Street West Vic 8007

* ኣብ ሞባይል ኾይንኩም ምድዋል ክፍሊት ክነብሮ ከምዝኽእልን እዚ’ውን ከም ናትኩም ኣገልግሎት ውሃቢ ይፈላለይ እዩ። ኣብ ሞባይል ኾይንኩም እንተደዊልኩም ኣፍልጡና እሞ መሊስና ንድውል።.

 

 

 

 

 

 

 

 

 

Faulty internet

Case Study - Complainant 1

A woman contacted us about speed and drop-out issues with her wireless internet connection.

Next step?