TIO Logo
   Home
  About Us
  Consumers
  Consumer   Advocates
  News

   " " Media
  Statements

   " " Complaint
  Statistics

  " " FAQs
  Publications
  Useful Links
  Contact Us
  Site Map
  Members of   Scheme

Website Search

Enter Keyword/s
   Home | News | Publications | Fact sheets for non-English speaker | Tigringna

Tigringna

ብዛዕባ ተለኮሙኒኬሽን መርማሪ መረረ ኢንዱስትሪ (TIO) ሓቓዊ ወረቐት (PDF xxKB)

ናይ ተለኮሙኒኬሽን መርማሪ መረረ ኢንዱስትሪ (TIO) እንታይ ማለት እዩ?

ሰባት ብናይ ተለፎንን ኢንተርኔት ኩባንያታት ንዘለዎም ጸገማት መፍትሒ ምርካብ እንተዘይኺኢሎም እሞ በዙይ መንግስታዊ ዝኾነ ድርጅት ኣቢሉ ብናጻ ኣገልግሎት ከምዘዳልው እዩ።

ስለዙይ ንዓና ቕድሚ ምድዋልኩም ምስናትኩም ኣገልግሎት ውሃቢ ዘለኩም ጥርዓን ክሲ መፍትሒ ንክትረኽቡ ምፍታን ኣለኩም።

እንታይ ክነጻርይ ከምንኽእል

ብዛዕባ ሞባይል፣ ናይ ገዛ ስልኪ መስመርን ኢንተርኔት ብዝምልከት ጉዳይ ንዝቐርብ ጥርዓን ብናይ መርማሪ መረረ ድርጅት (TIO) ኣቢሉ ክጻረ ከምዝኽእልን እዚ’ውን:

• መሕተቲ ክፍሊት (ጌጋ ንዝኾነ ፕላን/መደብ፣ ብጌጋ ኣከፋፍላ፣ ደንጉዩ ንዝመጽእ መሕተቲ ክፍሊት ዘካተተ)
• ብናይ ሞባይል ጽሑፋዊ መልእኽቲ ንዝተወሰነ ናይ ግዘ ኣከፋፍላ ጸገማት (ነዞም ነገራት ጠጠው ንምግባር ዘይምኽኣል)
• ንዝተበላሸወን ጽሬት ኣገልግሎት
• ንምቕጻል ምድንጓይ
• ናይ ዕዳ ኣወሳስዳ ምንቅስቃስ (መደብ ጌርካ ምክፋልን ኣብዘሎ ዕዳ ጸገም ምፍጣር ዘካተተ ይኸውን)
• ነቲ ኮንትራት ብዝምልከት (ዘይሕጋዊ ወይኻኣ ግልጺ ዘይኾነ ውዕሊ) ዘካተተ ይኸውን።

ክንምርምሮም ዘይንኽእሉ ጉዳያት

በዚ ዝስዕብ ጥርዓን/ክሲታት ክነጻርዮም ኣይንኽእልን:

• ቕድሚ ሓደ ዓመት ግዘ ንዓና ንዝተፍፈልጥዎም ጉዳያት (ኣብሓደሓደ ጉዳያት ነዙይ ክነጻርይ ንክልተ ዓመታት ዝኸውን ክነናውሆ ንኽእል)
• ብዛዕባ ተለኮሚኒኬሽን መንግስታዊ ፖሊሲታት
• ብዛዕባ ናይ ግሊ ተለኮሚኒኬሽን መሳሪሒ (ዕዳ ንዘይብሉን ንዝተከፈሎ ሞባይል ስልኪ ወይኻኣ ንኮምፑውተ ዘካተተ)
• እቲ ኩባንያ ንዝህቦ ኣገልግሎትን ውፅኢት ብዘኽፍሎ ዋጋ
• ኣብ ቤት ፍርዲ ወይኻኣ ፍሉይ መጋብኣያ ንዝቐረበ ወይኻኣ ተራ ሂዙ ንዘሎ ጉዳያት ይኸውን።

ናይ ኣስተርጓማይ ኣገልግሎት

ኣስተርጓማይ እንተደሊኹም ብስልኪ 131 450 ምድዋል። እዙይ ኣገልግሎት ብናጻ ከምዝኾነ እዩ። ብተወሳኺ’ድማ ንዓኹም ብምውካል ንዘለኩም ጥርዓን ናብ መርማሪ መረረ ድርጅት ከዳልው ዝኽእልን ናይ እንግሊዝኛ ክዕለት ዘለው ዝኾነ ሰብ ምውካል ትኽእሉ።

ንናይ መርማሪ መረረ/TIO ክተዘራርብ
ብናጻ ስልኪ: 1800 062 058*
ናይ ምስማዕን ምዝራብ ጸገም ንዘለዎ/TTY: 1800 675 692
 
በዚ ዝስዕብ ጽሓፉልና:
ብናጻ ፋክሲ: 1800 630 614
ኢሜል: tio@tio.com.au
  complain@tio.com.au
Correo PO Box 276
  Collins Street West Vic 8007

* አብ ሞባይል ስልክ ኾይንካ ምድዋል ዋጋ ክውስኽ ይኽእል፣ ይኹን’እምበር ከምቲ ናትኩም ኣገልግሎት ውሃቢ ድርጅት እቲ ዋጋ ከምዝፈላለይ እዩ። ስለዙይ ኣብ ሞባይል ኾይንኹም እንተደዊልኩም ኣፍልጡና እሞ መሊስና ንሕና ክንድውል ንኽእል።



Read our Accessibility Statement and Privacy Policy © 2001 Telecommunications Industry Ombudsman Ltd